እንህቦም ግልጋሎታት:
ምሉእ ናይ ዉሽጣዊ ሕማማት መርመራን ሕክምናን ብልዑል ተመኩሮን ሞያን ዘለዎም ስፔሻሊስት ሓኻይም ይወሃብ።
ዘመናዊ መርመራ ላቦራቶሪ፡ ምሉእ ግልጋሎት ላቦራቶሪ ብዝሓሸ መሳርሒታትን ብዝተመሃሩ ሰብ ሞያን፣ ንዝተፈላለዩ ዓይነት መርመራታት ንህብ።
ምሉእ ስካን (Scanning) ግልጋሎት፡
ዘመናዊት ሲቲ ስካን ማሽን (CT Scan Machine): ብዝሓሸን ዘመናዊን ሲቲ ስካን ማሽን፣ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ብንጹር ንምርካብ ብስፔሻሊስት ራዲዮሎጂስትን ራድዮግራፈራትን ግልጋሎት ንህብ።
ኤክስሬይ ማሽን (X-ray Machine): ንዓጽሚን ካልኦት ውሽጣዊ ኣካላትን ንምርመራ ዘድልዩ ዘመናዊ ኤክስሬይ ማሽን ግልጋሎት ንህብ።
ግልጋሎት ዘመናዊት 4D Doppler Ultrasound ንህብ።
ዘመናዊ መጥባሕቲ ክፍሊ (Modern Surgical Unit): ምሉእ ቀለልትን ከበትን መጥባሕቲ ብዘመናዊ ማሽናት ተሓጊዙ ምሉእ ግልጋሎት የቕርብ። እዚ ድማ ንዝተፈላለዩ ዓይነት ኦፕሬሽናት ዘድሊ ኩሉ ዓይነት መሳርሒታትን ክኢላታት ሰብ ሞያን የጠቓልል።
መርመራን ሕክምናን ቆርበት (Dermatology): ብAI Skin Analyzer ማሽንን ካልኦት ዘመናዊ መሳርሒታትን ተሓጊዙ ምሉእ ናይ ቆርበት መርመራን ሕክምናን። እዚ ድማ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ቆርበት ብትክክል ንምርካብን ንምሕክምናን ይሕግዝ።
መርመራን ሕክምና ስኒን ዓይኒን (Dental and Eye Care): ምሉእ ናይ ስኒን ዓይኒን መርመራን ሕክምናን ብዘመናዊ መሳርሒ ማሽናት ግልጋሎት ይወሃብ።
ካብ ክሳድ ንላዕሊ (ENT) Ears, Nose, Throat) መርመራን ግልጋሎትን፡ ብዘመናዊት ኤንዶስኮፒ ማሽን (Endoscopy Machine) ተሓጊዙ መርመራን ሕክምናን ብስፔሻሊስት ሓኪም ግልጋሎት ይወሃብ።
መርመራን ግልጋሎትን ህጻናትን ኣባፅሕን (Pediatrics and Child): ናይ ህጻናትን ኣባፅሕን መርመራን ሕክምናን ብስፔሻሊስት ሓኪም ይወሃብ።
ናይ መዋልዳን ምሉእ ግልጋሎት : ምሉእ ኣገልግሎት መዋልዳን፣ ካብ ቅድሚ ሕርሲ ክሳብ ድሕሪ ሕርሲ፣ ብልዑል ልምዲን ተሞኩሮን ዘለዎም ሰብ ሞያን ብዘመናዊ መሳርሒታትን ይወሃብ።
ብዘመናዊ ኣገልግሎታቱን፣ ብልዑል ሞያዊ ብቕዓቱን፣ ከምኡውን ብዘይተሓለለ ሓልዮቱን፣ ኣብ ትግራይ ምቹእን ተኣማንን ዝኾነ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ምሃብ ይርከብ።