ግዕዝ ሆስፒታል፣ ኣብታ ታሪኻዊትን ጥንታዊትን ማእከል ትግራይ፣ኣብ ከተማ ኣኽሱም፣ድሕሪ ሴንትራል ካፌ፣ፊት ንፊት ኢትዮቴለኮም ዝርከብ ኮይኑ ካብ ክሊኒክ ብምብጋስ ናብ ሓደ ዘመናዊን ልዑል ተኣማንነት ዘለዎ ሆስፒታል ዝዓበየ ትካል እዩ። እቲ ሆስፒታል ኣብ 2017 ዓ.ም. ብወግዒ ናብ ደረጃ ሆስፒታል ዝዓበየ ኮይኑ፣ ኣብ ታሪኽ ኣገልግሎት ጥዕና ትግራይ ዓብዪ ምዕራፍ በሪ ዝኸፈተ እዩ።
ኣብቲ ዞባን ካብ ካልኦት ዞባታት ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብቶም ተገልገልቱ ፍሉይ ዝበለ ተቐባልነትን ተኣማንነትን ዘለዎ ግዕዝ ሆስፒታል፣ ብልዑል ኣገልግሎቱን ብዝሓሸ ሞያዊ ብቕዓቱን ይፍለጥ። ኣብ ዓበይቲን ከበድቲን ህሞታት፣ ንሕብረተሰብ ዝገብሮ ዘይተሓለለ ኣገልግሎት፣ እቶም ተገልገልቲ ዝነበሮም ተኣማንነት ዝያዳ ኣደልዲልዎ ይርከብ።