Tigrinja

ትግርኛ

ኣዳራሽ መጽናዕቲ - ነቶም ተወሳኺ ሓገዝ ትደልዩ ኢዩ።

እቲ ኣዳራሽ መጽናዕቲ ካብ ግዜ ክፍሊ ወጻኢ ቁሩብ ተወሳኺ ደገፍ ንዝደልዩ ተማሃሮ ዝዓለመ እዩ። ብዛዕባ ሓገዝ ዕዮ ገዛ፡ ኪኖ ርእሰ ነገርካ ዝግበር ዕማማት ወይ ከም ተማሃራይ ክትፍጽሞም ዘለካ ዝተፈላለዩ ዕማማት ዘተኮረ ጥራይ ክኸውን ይኽእል።

ናይቲ መጽናዕቲ ኣዳራሽ ዝኽፈተሉ ሰዓታት ኣብ መርበብ ሓበሬታናን ኣብቲ ኣዳራሽ ኣብ ዘሎ መደባትን ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ዝተወሰኑ መዓልታት ምስ ተቖጻጻሪ መጽናዕቲ ናይ ምርኻብ ዕድል እውን ኣሎ።

እቲ ናይ መጽናዕቲ ኣዳራሽ ኣብ 4ይ ደርቢ ክፍሊ 419 ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኩም። ከም ተማሃራይ ድማ ብርዒ፡ ወረቐትን ዝኾነ ካብ መምህርካ ዝረኸብካዮ ሓበሬታን ጥራይ ሒዝካ ምምጻእ እዩ ዘድልየካ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ወይ ሓፈሻዊ ሕቶታት ኣብዚ ኣድራሻ እተዉ፡ kfvstudiehallenvux@kunskapsforbundet.se

ሕቶታት:-

ርእሰ ነገር ኣብ ኣዳራሽ መጽናዕቲ መዓስ እዩ ዚርከብ፧

ኣብቲ ፍሉይ ርእሰ ነገርካ ደገፍ ንምርካብ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ወይ ኣብ ኣፍደገ ኣዳራሽ መጽናዕቲ ዘሎ መደብ ርአ።

ንኣዳራሽ መጽናዕቲ ኣብኡ ኽህሉ ኣለኒ ድዩ፧

እወ፡ እቲ ኣዳራሽ መጽናዕቲ ኣብቲ ቦታ ኣብ ክፍሊ 419 እዩ ዝካየድ።